ኣብ መንጎ ሕጹያት ፕረሲደንት ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ክትዕ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ህዝቢን መራሕትን ከም እተዓዘብዎ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝተኻየደ ኣብዚ ክትዕ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሕጹያት ፕረዚደንት ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ገለ ወጥሪ ዝመልኦ ምልውዋጥ ተኻይዱ’ሎ። ካብ ቤጂንግ ክሳብ ቡዳፐሽት፡ እቲ ክትዕ ዓብዪን ዝተፈላለየ ጦብላሕታን ገዲፉ’ሎ። ካማላ ሃሪስ ንዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ፑቲን “ምስሑ ዝገብረካ ሕሱም ውልቀ መላኺ” ክትብል ገሊጻቶ’ላ።
“ንሓደ ሰብ ምሳሕ ምግባር ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ቋንቋ ሩስያ የለን። እንተኾነ ግና ኣብ ሞስኮ ንሩስያ ዝጠቅም ውጽኢት ምርጫ ኣሜሪካ ብዝምልከት ብርቱዕ ሸውሃት እዩ ዘሎ። ክረምሊን—ኣብቲ ክትዕ ትራምፕ ዩክሬን ኣብዚ ኲናት ክትዕወት ትደሊዶ ዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ ጎስዩ ምሕላፉ ብዕቱብ ዘስተውዓልዎ ጒዳይ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ትራምፕ ብድፉኑ “እቲ ኲናት ደው ክብል እየ ዝደሊ” ክብል እዩ መሊሱ። ብኣንጻሩ ሃሪስ “ንፍትሓዊ ኲናት ምክልኻል” ዩክሬን ብምንኣድ ቭላድሚር ፑቲን “ኣዒንቱ ኣብ ዝተረፈ ክፋል ኤውሮጳ” ኣለዋ ክትብል ከሲሳቶ’ላ። ክረምሊን ኣብቲ ክትዕ ስም ፑቲን ብተደጋጋሚ ምጥቃሱ ብዙሕ ባህ ከም ዘይበሎም ገሊጾም ኣለዉ። ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ “ኣመሪካ ንስም ፑቲን ኣብ ውሽጣዊ ጒዳያታ ከም መሸቀጢ እያ ትጥቀመሉ፥ እዚ ኣይፈተናሎምን፥ ንፕረዚደንትና ዘይገድፍዎ እዮም” ክብል ኣባጭዩ’ሎ።
ብኻልእ መዳይ ትራምፕ ስልጣም ምስ ሓዘ፥ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ነቲ ግጭት ከዕርፎ ከምዝኽእል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክገልጽ ምጽንሑ ዘስተውዓሉ ዩክሬናውያን ነቲ ክትዕ ብዓብዪ ዕቱብነት እዮም ተኸታቲሎሞ። በዚ ድማ ዩክሬናውያን ብመልስታት ካማላ ሃሪስ መቕሰኒ ዝረኸቡ’ዮም ዝመስሉ። ሃሪስ ፕረዚደንት ኮይና እንተተመሪጻ፥ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ጽኑዕ ደገፍ ኣመሪካ ክትወጽእ ብዛዕባ ምዃና ዝሕብር ኣንፊ ኣይሃበትን።
ሃሪስ “ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት እንተዝኸውን ፑቲን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኪየቭ ኮፍ ኢሉ ምሃለወ” ምባላ ን ዩክሬናውያን ቅሳነት ዝሃበ ካልእ ኣባህላ እዩ።
ካልእ ኣብዚ ክትዕ ሕጹያት ፕረሲደንት ኣመሪካ ትራምፕን ካማላን ዕቱብ ተገዳስነት ዘርኣዩ ህዝቢ ቻይና እዮም። ናይ ካማላ ሃሪስ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ካብቲ ፕረዚደንት ባይደን ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዝረግአ እኳ ዝመስል እንተኾነ ብዙሕ መለሳ ዘይብሉ ምዃኑ ከኣ’ዩ ኣብ ቻይናውያን ጦብላሕታ ኣሕዲሩ ዘሎ። ኣብቲ ናይ ክትዕ መድረኽ ሃሪስ ንዶናልድ ትራምፕ “ንቻይና ወተሃደራዊ ስርሓቶም ንምምሕያሽን ንምዝማንን ስርሓት ኣመሪካ ዝኾኑ ቺፕስ ሸይጡ” ኢላ ከሲሳቶ’ላ። ብኻልእ መዳይ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ቻይና 60% ቀረጽ ክጽዕን መደብ ከምዘለዎ ብንጹር ገሊጹ’ሎ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ 2018 ምስ ቻይና ንግዳዊ ኲናት ዝጀመረ ፍልማዊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክኸውን ዝገበሮ ኣካይዳ ክቕጽለሉ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ቻይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጠባኣ ንምድሓንን ሰደድ ንምዕባይ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን እዚ ቸሪሳ ክትሰምዖ ዘይትደሊ ውሳነ ኣመሪካ እዩ።