ኣብ መላእ ኖርዲክስ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ወጻኢታት ሸመትቲ ከምዝዘሓለ፡ ብኖርድያ ዝተኣከበን ብሄልሲንጊን ሳኖማት ዝተጸብጸበን ስታቲስቲክስ ክፍሊት ካርድ ኣመልኪቱ ። ፊንላንድ ብመንጽር ስማዊ ዋጋን ብዋጋታት ንብረት ዝተመዓራረየ ዋጋን ክፍሊት ካርድ ዝያዳ ምንቁልቋል ኣመዝጊባ’ላ፡፡ ክልቲኡ ካብ ሰነ 2023 ብግምት ብኣርባዕተ ሚእታዊት ምውራድ ኣርእዩ’ሎ። ስማዊ ዋጋ ካርድ ክፍሊት ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት እንክወዳደር ናብ ናይ ዴንማርክን ኖርወይ ከምኡ’ውን ሽወደን ዝቐረበ ምንባሩ ተሓቢሩ’ሎ። ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብመጠኑ ተስፋ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ክፍሊት ኣቑሑት ብካርድ ክጎድል ከምዝጀመረ፡ ወሃቢ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎታት ዝሃቦ ትንታነ ይሕብር። ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብተን ኣርባዕተ ሃገራት ብኣገልግሎታት ዝግበር ክፍሊት ብካርድ ምንቊልቋል ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ብዘይካ ዴንማርክን ኖርወይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኖርዲክ ንኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝወሃብ ክፍሊት ክወርድ ተራእዩ’ሎ። ኣብ ፊንላንድን ሽወደንን ናይ ትርፊ ግዜን ስፖርታዊ መሳርሒታትን ዝኽፈል ክፍሊት ምንካይ እኳ እንተርኣየ ኣብ ዴንማርክን ኖርወይን ግን ወሲኹ እዩ።
ካብ ዜናታት ሃገራት ኖርዲክ ከይወጻእና ሚኒስተር ፋይናንስ ሪካ ፑራ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ብራስለስ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ቁጠባውን ፋይናንሳውን ጉዳያት፥ ሃንጋሪ ንዩክሬን ንምድጋፍ ትኹረት ብዘይምሃባ ከም ዘሕዘና ገሊጻ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንትነት ሃንጋሪ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፣ እታ ሃገር ድሮ ኣብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ ከቢድ ውግዘት አአንጊዳ ምህላዋ—ማዕከን ዜና ሄልሲንኪ ታይምስ ጸብጺባ’ላ።