ቅድሚ ሰሙን ዝተገብረ ጸረ ስደተኛታት ዝዕላምኡ ናዕብን ዕግርግርን፥ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ን ዓሌትነት ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ከተማታት ተኣኪቦም ተሓቢሩ። ኣብ ሰሜን ለንደን፡ ብሪስቶልን ኒውካስልን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ጸረ ኢሚግሬሽን ተቓውሞታት ክካየድ ትጽቢ ተጌሩ’ሎ። እዚ ምትእኽኻብ ሰላማዊ ኮይኑ፡ እዞም ሰልፈኛታት “ስደተኛታት ጽቡቕ ኣቀባብላ ይግብኦም እዩ” ዝብል ጭርሖታት ከጋውሑ እዮም። ፖሊስ ጎነጽ ከይለዓል እኹል ምድላዋት ምግባሮም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መኮንናት ከኣ ምውፋሮምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ፡ ብወተሃደራት ዩክሬይን ዝካየደ ዘሎ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ህጹጽ እዋን ከም እተኣወጀ ይግለጽ ኣሎ። ግዝያዊ ኣመሓዳሪ እታ ዞባ ኣሌክሲ ስሚርኖቭ፡ እቲ ስጉምቲ “ሓይልታት ዩክሬይን ናብቲ ዞባ ምምጻኦም ዘስዕቦ ሓደጋ ንምውጋድ” ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ሰብመዚ ሩስያ፡ እቲ ወራር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 6 ህጻናት ዝርከብዎም 31 ድማ ምቚሳሎም ሓቢሮም ኣለዉ። ዩክሬን ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃበትን፡ ዕምቆት ናይቲ ወራር ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እንተተሳዒሩ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ገሊጹ። ባይደን ዝሓለፈ ወርሒ ካብቲ ውድድር ሃንደበት ካብ ዝወጽእ ንደሓር ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ፍልማዊ ሓበሬታ፡ “ትራምፕ እንተተሳዒሩ፡ ሰላማዊ ስግግር ክህሉ እዩ ኣብ ዝብል ፈጺመ ርእሰ ተኣማንነት የብለይን” ኢሉ።
“[ትራምፕ] ዝብሎ ዘሎ ካብ ብልቡ እዪ፡ እንተኾነ ግና ብዕቱብ ንወስዶን የሎናን። ንሱ ‘እንተሰዒርና ደም ምፍሳስ ክኸውን’ዩ’ ዝብል ዘሎ ካብ ብልቡ’እዩ።” ኢሉ። ትራምፕ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዛዕባ ኢንዱስትሪ መካይን ክዛረብ ከሎ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እንተድኣ ተሳዒሩ “ኣብዛ ሃገር ምፍሳስ ደም ክከውን እዩ” ዝብል ርእይቶኡ ብዙሕ ማዕበል ነቐፌታ ምስዓቡ ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።