ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኩባንያታት መድሕን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻይደ ናይ ዓሎቕ ተግባራት ዓብዪ ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊጸን
ክትብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እዚ ይዂንምበር እተን ኲባንያታት ብዝገበራኦ ዝተዋደደ ጻዕሪ ኣብ 2023 ኣስታት 700 ሚልዮን
ክሮና ዝግመት ብዓሎቕ ናብ ዘይምልከቶም ሰባት ካብ ምእታው ደው ከብሉ ክኢለን ኣለዋ።
“ሰባት ንሓደ ጥርዓን ሒዞም ይመጹሞ ነዚ ዕድመ መዝሚዞም ዘይግብኦም ገብዘን ናብ ሕሳቦም የእትዉ” ክብል ዋና ኣካያዲ
ስራሕ ላርምትያንስ ማትስ ጋልቨኒየስ ገሊጹ’ሎ።