ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ታሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ዝተረኽቡ ብርክት ዝበሉ ጠራሙዝ ሻምፓኝ ከም ባህላዊ ቅርሲ ሽወደን ክተሓዙ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ። ብመሰአት እዚ፡ ስብርባር እታ መርከብ ብሕጊ ባህላዊ ቅርስታት ዝሕሎ ኮይኑ፡ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ጠሊቕካ ምሕንባስ ክእገዱ እዮም፡፡ ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ከኣ ዝኾነ ሰብ ካብቲ ቦታ ዝኾነ ነገር ከይወስድ ወይ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከምዘይጎድኦ ከረጋግጹ ክግበር እዩ ። ኣብዚ ጒዳይ ኣብዚ ሰሙን ውሳነ ክመጽእ እዩ ክብል ዳኒኤል ተደንሊንድ ካብ ምምሕዳራዊ ቦርድ ካውንቲ ካልማር ገሊጹ’ሎ።
ፖሊስ ኣፕላንድስ-ብሮ፡ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ምሸት ብጥይት ድሕሪ ምውቃዑ ከምዝሞተ ገሊጹ። ምስዚ ገበን ብዝተሓሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን። ፖሊስ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዝተፈጸመ ካልእ ተኹሲ’ውን ይምርምር ከምዘሎን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወን ይፍለጥ
ኣብ ላንድስክሮና ሓደ መንእሰይ ተቐቲሉ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝጠርጠረሉ ምሸት ዝተቐድሐ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርጋሕ ኣሎ። ፖሊስ ነታ ቪድዮ ዝረኣዩ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ደቆም ዝረኣይዋ ወለዲ ተራኺቦም ኣለዉ። መርማሪ ፖሊስ ኬንት ፐህርሰን፡ ብዛዕባ እቲ ቪድዮ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ጻውዒታት ይመጾም ከምዘሎ ይዛረብ።