ቤት ጽሕፈት ክሊማ ሽወደን SMHI ኣብ ገለ ክፋል ስቨላንድን ኦስተርጎትላንድን ብርቱዕ ዝናብን ልዑል ደረጃ ማይን ክህሉ ምዃኑ ብምትሕስሳብ ክልተ ብጫ ዝሕብሩ መጠንቀቕታታት ኣውጺኡ’ሎ። ብርቱዕ ዝናብ ነቶም ድሮ ብናይ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ክሊማ ዝተሃስዩ ከባቢታት ክሃርሞም ትጽቢት ኣሎ። ኣብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከባቢታት ካብ 30 ክሳብ 50 ሚሊሜተር ዝናብ ክዘንብ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ድማ ጽርግያታትን ትሕቲ ምድራዊ ህንጻታትን ሓደጋ ዕልቕልቕ ከስዕብ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብኻልእ ዜና ዩክሬናውያን ካብቲ ብሲኤስኤን ዝፍለጥን ንተመሃሮ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝገብርን ቦርድ ፋይናንስ ተመሃሮ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክረኽቡ ብቑዓት ዘይምዃኖም ተገሊጹ። ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ዩክሬናውያን ኣብ መዝገብ ቊጽሪ ህዝቢ እታ ሃገር ከመልክቱ ዝኸኣሉ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ፡፡ ብዙሓት ድማ ሕጂ ንሲኤስኤን ሓገዝ መጽናዕቲ ይሓቱ’ለዉ። ሶፍያ ቤሊች ሃንቲ ካብዞም ዩክሬናውያን ተመሃሮ ኮይና ተማሂራ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ኣበርክቶ ክትገብር ከም እትደሊ፡ እንተኾነ ግና ፋይናንሳዊ ደገፍ ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ተስፋኣ ከም እተፈታተና ገሊጻ’ላ።