ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሕጹይ ፕረዚደንት ዝቐንዐ ፖለቲካዊ ዓመጽ ከይተፈጸመ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ኣመሪካ ኣብ
ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ምግጣሙ ኣዘራራቢ ኮይኑ። ናይ ትማሊ ሓዊሱ ኣብዚ ናይ ሎም ዓመት ጎስጓስ ምረጹኒ ክልተ
ሳዕ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ምግጣሙ፥ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ዕላማ ኮይኑ ምህላዉ ካልእ
መዘራረቢ ዛዕባ ጌርዎ’ሎ። ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፥ ሓደ ዕጡቕ ናብ ትራምፕ
ምትኳሱ፥ ርእሱ ካብ ምህራም ከኣ ንስክላ ምድሓኡ፥ እቲ ፈተነ ቅትለት ዝፈጸመ ወዲ 20 መንእሰይ ከኣ ብስናይፐር ከም
እተቐትለ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ትማል ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ትራምፕ ዕላማ ካልእ ቀታሊ ክኸውን ዝኽእል ምዃኑ
ምዃኑ ኤፍ.ቢ.ኣይ ብምሕባር ሕጂ ሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ይርከብ ኣሎ። መርመርቲ ከም ዝበልዎ፡ ትራምፕ
ኣብ ዌስት ፓልም ቢች ኣብ ዝርከብ ሜዳ ጎልፍ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ኤኬ-47 ዝዓጠቐ ሰብኣይ ኣብ ቁጥቋጥ ይጽበ
ከም ዝነበረን፡ እንተኾነ ቅድሚ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ብወከልቲ ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ምርኣዩን ኣብ ልዕሊኡ ተዂሲ ከም
ዝኸፍቱን ገሊጾም።
ኣሜሪካውያን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፥ ጎነጽ ንቡር ኣካል ናይ ምረጹኒ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ክላመዱ ተገዲዶም እዮም። እቲ
ጠማሪ ሃገራዊ ዲስኩር ተዳኺሙ፥ ወገናዊ ምፍልላይ ተባሊሑን ሱር ሰዲዱን ንደሞክራስያዊ ያታ ኣመሪካ ይፈታተኖ’ሎ—-
ክትብል ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ብየመናዊ ሑቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል ኣብ ማእከላይ እስራኤል ድሕሪ ምዕላቡ፡
ሑቲ የመን “ከቢድ ዋጋ” ክኸፍሉ እዮም ክብል ገሊጹ። ሰራዊት እስራኤል እቲ ሚሳይል ትማሊ ሰንበት ኣጋ ምሸት ሰብ ዘይነብረሉ
ከባቢ ከምዝዓለበ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ፍንጭልጫል ግን ቅድሚ ናብ ክሊ ኣየር እስራኤል ምእታዉ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር
ከጥፍእዎ ከምዘይከኣሉ ዘመልክት እዩ። ወሲኹ ድማ እቲ ሚሳይል ብኸመይ ክሳብ ክንድዚ ናብ መሬት እስራኤል ክበጽሕ
ከምዝኸኣለ ይምርምር ከምዘሎ ሓቢሩ።