ኣብ ሰሜናዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ኣይቶው ብእስራኤል ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ሰብመዚ እታ ሃገር
ገሊጾም። ኣብዚ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ተጻብኦታት እስራኤል ነቲ ዝበዝሑ ክርስትያን ዝነብሩሉ ሰሜናዊ ዞባ ዕላማ ክትገብር
ንፈለማ እዋን እዩ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ። እስራኤል ብዛዕባ እቲ ጒዳይ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን ኣላ። እዚ እናኾነ
ኣብ ኤሌዌር፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ካብ ሃይፋ ንደቡብ ኣብ ዝርከብ መደበር ሰራዊት እስራኤል ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሕዝቦላህ
ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል ከም እተቐትሉ፥ ኣብ ውሽጢዚ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ብሂዝቦላህ ኣብ
ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝፍጸሙ ቀተልቲ መጥቃዕትታት ሓደ ምንባሩን ተሓቢሩ። እስራኤል ትማል ሰንበት ኣብ መላእ እታ ሃገር
ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ 51 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ኣገር ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ቓዛ፡ ብሓማስ ዝመሓደሩ
ሰብመዚ፡ እስራኤል ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሰንበት ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ 15 ህጻናት ዝርከብዎም 22 ሰባት ከም ዝቐተለ
ይገልጹ። ትካል ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ህንጻ ክታበት ፖልዮ ንምድላው ይውዕል ምንባሩ
ገሊጹ’ሎ።