ኣብ ልዕሊ ኣባል ሰልፊ ዴሞክራትና ዝኾነ ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ሪከርድ ዝጸንሐ ጠርጠራ ገበን ምስዋር ጽልኢ ከም እተላዕለ
ተሓቢሩ። ዮምሾፍ፡ ብገበን ጽልኢ ተጠርጢሩ ብፖሊስ ክሕተት ምዃኑ ድሕሪ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ካብ
መዝነቱ ማለት –ሓላፍነት ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን ንግዚኡ ወሪዱ ኔሩ እዩ። ንሱ በተን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ
ሼር ዝገበሮ ክልተ ናይ ቅይዐ ስእልታት እዩ ብተርጠራ ጽልኢ ክጥቀን ጸኒሑ። ንሱ ብርግጽ ዝኾነ በደል ኣይፈጸምኲን ብምባል ነቲ
ክሲ ክነጽጎ ምጽንሑ እዩ ዝፍለጥ። ብመሰረት ሓላፊ መባእታዊ መርመራ ዓቃቢ ሕጊ፡ ነተን ካርቱናት ምልጣፉ ‘ኣብ ልዕሊ ሓደ
ማሕበረሰብ’ ምልዕዓል ንምፍጣር ዕላማ ዝገበረ ዘይምንባሩ ኣረጋጊጸ እየ ብምባል እዩ ነቲ መርመራ ክቋረጽ ጌርዎ ዘሎ ።
ዕላማኡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽልኢ ንምልዕዓል ዘይኮነ፥ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ዘሎ ኣጠማምታ ገለ ናይ ባዕሉ ክትዓት
ንምልዕዓል ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ን ኣፈናዊ መርመራ ዓቃብ ሕጊ ምርኲስ ብምግባር ጸብጺባ’ላ።