እቲ ንዶናልድ ትራምፕ ክቐትል ዝፈተነ ዕጡቕ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እቲ ተኹሲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክትዝንቢ ከም ዝገበረ ኣኽበርቲ ሕጊ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊጾም። ቶማስ ማቲው ክሩክስ ነዚ ዝገበረ ብ13 ሓምለ ኣብ ፔንስልቨንያ ኣብ ዝተኻየደ ፋለኛ ጎስጓስ ምረጹኒ፥ ሰዓታት ኣቐዲሙ ድዩ ወይስ መዓልታት ንጹር ከምዘይኮነ ኣኽበርቲ ሕጊ ይገልጹ ክብል መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ሚድያ ሲቢኤስ ጸብጺቡ’ሎ። ሕጂ ብወግዒ ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ዝኾነ ትራምፕ፡ ኣብ ናይ ጎስጓስ መደረኡ የማናይ እዝኑ ጥይት እኳ እንተተወግአ “ብዕድል ድዩስ ብኣምላኽ” ከም ዝደሓነ ገሊጹ እዩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ሰልፊ ክመውት እንከሎ ካልኦት ክልተ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም እዮም። ወዲ 20 ዓመት ክሩክስ ኣብቲ ቦታ ብወከልቲ ሓለዋ ጸጥታ ብጥይት ተቐቲሉ እዩ። ሓላፊት ኣገልግሎት ጸጥታ ኪምበርሊ ቺትል ብ22 ሓምለ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ምስክርነት ክትህብ ምጽውዓ ውን ተሓቢሩ’ሎ።
እዚ ፈለማ ብዋል ስትሪት ጆርናል ዝተጸብጸበ ኮይኑ፡ መርመርቲ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ክሩክስ ነታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብልክዕ መዓስ ከምዘብረራ ገና ንምፍላጥ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም። ኣብ ቀጽሪ ባትለር ፋርም ሾው ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ መዓልታት እቲ ምብራር ድሮን እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ’ውን ገሊጾም። ካልኦት ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ እውን ንሰብመዚ ጸጥታ ብምጥቃስ እቲ መሳርሒ ኣብታ እቲ ፍጻመ ዝተኻየደላ መዓልቲ ልዕሊ እቲ ከባቢ ከምዝዘንበየት ገሊጸን። እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ተኳሲ ነቲ ትራምፕ ዝምድረሉ መድረኽ ንምምራጽ ከምዝተጠቕመላ ይግመት።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ፈተነ ቅትለት ኣብ ዝተገብረሉ እዋን “ንዲሞክራሲ ክብል ህይወቱ ከወፊ” ድሉው ምንባሩ ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ ግራንድ ራፒድስ ዝተኻየደ መደብ ንፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ከባጩ ተራእዩ’ሎ። ንሱ ኣብ ክሉል ሜዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰልፊ ዲሞክራትስ “ትራምፕ ንዲሞክራሲ ሓደጋ እዩ” ክብሉ ከምዝኸሰስዎን እዚ ድማ ዓብዪ ዳእላ እዩ ኢሉ ድሕሪ ምውዳቕ “ንዋይት ሃውስ ክምለስ” ድሉው ምዃኑ ብዓብዪ ጣቕዒት ደገፍቱ ተሰንዩ ገሊጹ’ሎ።