ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን “ፎሻክሪንግስካሳን” ናይ ሕማም ዕረፍቲ ክፍሊት ዝረኽቡ ዘለዉ 18 ሽሕ ሰባት ኣብ ወርሒ
ግንቦት ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ከምዝኸፈሉ ተሓቢሩ። እቲ መጠን ገንዘብ ንውልቀሰብ ካብ ውሑዳት ክሮና ክሳብ ሓደ ሽሕ ክሮና
ዝበጽሕ ኮይኑ፥ ምኽንያት ናይቲ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ፡ ጒዳያት ሓድሽ ስርዓት ምሕደራ እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ዝበዝሐ ግብሪ
ከፊሎም ዘለዉ ኣብ ዕረፍቲ ሕማም ዘለዉ ጥራይ ዘይኮኑ ስራሕ ዘይብሎም እውን ምዃኖም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከኣ ገንዘቦም
ተመላሲ ከም ዝኸውን እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ሓቢሩ።