ማሕበር ዕቃበ ተፈጥሮ ሽወደን፡ ዳርጋ ኣብ ኩለን እተን ማይ ቡምባ ነቲ ኬሚካል
ዝፈተነለን 30 ምምሕዳራት ከተማ ጻዕቂ PFAS ከም ዝረኸበ ገሊጹ። ኣብ ሰለስተ
ካብተን ምምሕዳራት ከተማ ማለት ጋቭለ፡ ሃልምስታድን ቫስተራስን፡ መርመራታት ካብቲ
ኣብ 2026 ክተኣታቶ ለበዋ ዝተገብረሉ ገደብ ዝለዓለ ደረጃ PFAS ከምዘርኣየ
ተሓቢሩ’ሎ። PFAS (per- and polyfluoroalkyl substances) ልዕሊ
10,000 ዝተለለዩ ንጥረ ነገራት ዝሓቖፈ ዓቢን ዝተሓላለኸን ጉጅለ ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ
“forever chemicals” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ከምኡ ዝጽዋዓሉ ምኽንያት፥ እቲ ግዛዕ
ንምብታን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ ገሊኡ ድማ ንኣከባብን ጥዕና ደቂ ሰባትን ጎዳኢ
ብምዃኑ እዩ ተባሂሉ’ሎ
ዓለማዊ መቓን ስነ-ህይወታዊ ብዙሕነት ብኸመይ ትትግበር ዝብል ዘተ፡ እምነ ኩርናዕ
ናይቲ ሎሚ ኣብ ካሊ ኮሎምብያ ዝጅምር ናይዚ ሰሙን COP16 ክኸውን እዩ ተባሂሉ።
መበል 16 ዋዕላ ብዙሕነት ህይወት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ COP15
30% መሬትን ባሕርን ንተፈጥሮ ንምዕቃብን ንምምሕዳርን ዝተኣተወ መብጽዓታት
ክከታተል እዩ። ምዕቃብ ውቅያኖሳት ሽወደን ኣብቲ ኣኼባ ቀዳምነት ካብ እትህቦም
ጉዳያት ሓደ እዩ፡፡ እቶም ብድሆታት ”ዓበይቲ’ዮም” ክትብል ንሽወደንን ሕብረት
ኤውሮጳን ኣብ ጉዳይ ባሕሪ እተዘራረበት ፒያ ኖርሊንግ ገሊጻ’ላ