“ሰሙን ድልውነት ቅልውላው” ይሳልጥ ኣሎ። እዚ ንጥፈት ዓመት መጸ ብኤጀንሲ ሲቪላዊ ህጹጽ ሓደጋታት፣ MSB፣ ከምኡ’ውን ብከባብያውን ዞባውን ሰብመዚ ሽወደን ዝዳሎ እዩ። ዕላማ እዚ ንጥፈት ‘ድልውነት’ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን መዓስ ከም ዘድሊ፡ ኣብ እዋን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ውሕጅ፡ ወይ’ውን ኲናት ከይተረፈ፡ ሓበሬታ ናብ ዜጋታት ክባጻሕ ምግባር እዩ። ካብ ጀርመን ዝመጸት ላውራ ባውር ዝተባህለት ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ንሬድዮ ሽወደን ብዛዕባ እቲ ኲነታት ኣመልኪታ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት
”ዘገርም ይኸውን እዩ፥ ግና ዝኾነ ፍርሂ ኣይተሰማዓንን” ትብል።