30,000 ዝተፈላለየ ቅርጽን ዓቐንን ዘለወን ደሴታትን ናእሽቱ ኣኻውሕን ኣኹብ ደሴታት ስቶክሆልም ብሉጽ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን
መስሕብን ዘለዎ ቦታ እንተኾነ መብዛሕትኡ ዓመት ብዓቢኡ ባዶ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋ ሕጂ ን 21 ካብተን ዝትፈላለየ
ስፍሓት ዘለወን ደሴታት ዝሽፍን ሓድሽ 270 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ተሃኒጹ’ሎ። እዚ ትሕተ ቕርጺ ካብ ወቕቲ ሳመር
ወጻኢ ንዝጓዓዙን እግረኛታትን ብምስሓብ፡ ሰኣን በጻሕቲ ንዝተዘሓሓለ ደሴታት ሓድሽ ህይወት ንዝራእ ዝዓለመ እዩ።
“እቲ ደሴታት ክሳብ ክንደይ ባዶ ምዃኑ ዝርድእዎ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።. ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ
30 ሽሕ ደሴታት ኣለዋና፡፡ መብዛሕትአን ድማ ካብ ማእከል ከተማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ክትበጽሐን ትኽእል ኢኻ” ይብል
ኣብ እኩባት ደሴታት ስቶክሆልም ነዚ መስሕብ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ዘለዎ ማይክል ሊመል