ኣብ በርሚንግሃም ኣላባማ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ተኹሲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 18 ድማ ቆሲሎም ክብል
ፖሊስ ገሊጹ። ትማሊ ሰንበት ኣጋምሸት ኣብ ከባቢ ፋይቭ ፖይንትስ ሳውዝ “ብዙሓት ሰብ ብረት ኣብ ሰባት ከምዝተኮሱ” ሓላፊ
ፖሊስ በርሚንግሃም ትሩማን ፊትዝጀራልድ ገሊጹ።
መኮንናት ፖሊስ ሬሳታት ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ኣብቲ ቦታ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ሳልሳይ ሓደ ሰብኣይ ድማ
ድሒሩ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞተ ፖሊስ በርሚንግሃም ገሊጾም። እቶም ወንጀለኛታት ቅድሚ ምውራዶምን ተኹሲ ምኽፋቶምን
ብመኪና ናብቲ ቦታ ከምዝቐረቡ እዩ ዝግመት። ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ጥርጡር የለን። ሚስተር ፊትዝጀራልድ ወሲኹ፡
እቲ ተኹሲ “ሃንደበት ዝተኸስተ ከምዘይኮነ፥ ካብቲ ዝተነጸለ ፍጻመ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ብዙሓት ግዳያት ኣብቲ መስቀላዊ ተኹሲ
ምእታዎም ግዳያት ምዃኖም” ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ።