ተቓዋሚ መንግስቲ ዝኾነ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፥ ኣብ ኩለን “ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን” ዝኽተላ ኣብያተ ትምህርቲ ብውሑዱ 75% ካብ ምህሮ ብቋንቋ ሽወደን ክወሃብ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ብተወሳኺ ብቕዓት ቋንቋ ሽወደን ዘይብሎም መምህራን ንምቑጻር ዝጸንሐ ነጻነት ክስረዝ ከም ዝጽዕሩ ኣመልኪቶም ኣለዉ። እዚ እማመኦም ንኣህጉራውያን ኣብያተ ትምህርቲ ባካሎሬት ዝጸሉ ኣይኮነን፡፡ እተን ናጻ ቻርተር ኣብያተ ትምህርቲ ወይ (ብሽወደንኛ ፍሪስኮሎር እንተባህላ ዝጽውዓ) ሰንሰለት ዓለምለኻዊ ኣብያተ ትምህርቲ እንግሊዝ እዚ ሕጊ ኣይምልከተንን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኡ ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን ብእንግሊዝኛ ዝህባ እኳ እንተኾና፡ ካብ ምምሕዳራት ከተማ እየን ምወላ ዝረኽባ ዘለዋ።
“ምስ ግዜ ኣብተን ብእንግሊዝኛ ብዙሕ ትምህርቲ ዝወሃበለንን ብዙሓት ዘይብቑዓት መምህራን ዘለወንን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ደሞዝ ዝተሓተ ምዃኑ ክንግንዘብ ክኢልና’ለና” ክብል ምክትል ኣቦ መንበር ማሕበር መማህራን ሽወደን ሮቢን ስሚዝ ትዕዝብቱ ገሊጹ’ሎ።