ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን ዝረአ ምስ ጸጥታ ዝተሓሓዝ ጒዳያት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣሃዛት ምምሕዳር ሃገራዊ ኣብያተ ፍርዲ ሓቢሩ። ዓሚ ኣስታት 600 ከምዚ ዓይነት ጒዳያት ከምዘጋጠሙን መብዛሕትኦም ምስ ምፍርራሕን ጎነጽን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ። ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ፍጻመ ዘአንገደት ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ቦራስ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝሓሸ መሳለጥያታት ክረክብ እያ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣሽሓት መንእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንዮተቦሪ ኣብ ዝውሕዙሉ ዘለዉ እዋን ጠለብ ቆሎ ስጋ ሽወደን ኣብ ዝለዓለ ዝርዝር ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ውድድር ዩሮ ትማሊ ምሸት ኣብ ጀርመን ተዛዚሙ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሽወደን ኣብ እትርከብ ዮተቦሪ ግን ካልእ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ገና ይጅምር እዩ ዘሎ።
ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1975 ዝተዳለወ ዋንጫ ጎቲያ፡ ካብ 74 ሃገራት ዳርጋ 1900 ጋንታታት ዝወዳደራሉ ዝዓበየ ውድድር ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት ዓለም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቐን ዘለዎ ፍጻመ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ 70 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ፍርናሽ ዝድቅሱ ኣሽሓት መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ምምጋብ ኣካል ውጥኑ ክኸውን እዩ።