A-tractors ዝተባህላን ክሳብ 30 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ክፈጥና ተመሓዪሸን እተሰንዓን መካይን ብብዝሒ ንሓደጋ ትራፊክ
ይቃልዓ ምህላወን ተገሊጹ። እዘን መካይን ኮተቴ ዝዝውርወን ኮይነን፡ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት በዚ ሓደጋ
ምሟቶም ተፈሊጥ’ሎ። 80% ካብዘን መርመራ እተኻየደለን መካይን "A-tractors" ካብቲ ዝተወሰነለን ፍጥነት ንላዕሊ ክንህራ
ዝገብር ናይ ሞተረ ምትዕርራይ ከም ዘለወን ፖሊስ ገሊጾም ኣለው። በዚ ድማ ሓድሽ ሚኒስተር ትሕተ-ቕርጺ ኣብ ጒዳይ ሕጊታት
A-tractors ንምዝታይ ኣኼባ ጸዊዑ ምህላዉ ተፈሊጡ።