90 ዝኾና ሃገራት ዓለምና፡ ነቲ ኣብ ምልዋጥ ክሊማን ዋዒን ዓለምና ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ዝበለኦ ምፍናው ሚቴይን ዝተባህለ ዓይነት ጋዝ፡ ከጒድላ ተሰማሚዐን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ክሳብ ዓመተ 2031 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መጠን ምፍናው ሚቴይን ጋዝ፡ ብ 30% ንምጒዳል መደብ ተታሒዙ ምህላዉን፡ እዚ ብመሪሕነት ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝድፋኣሉ ከም ዘሎን ሓደ ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣመልኪቱ።
ምስ ካርቦን ዳዮክሳይድ ብምውድዳር፡ ሚተይን ጋዝ፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ቀልጢፉ ስለዝበታተኽ፡ ዋዒ ዓለምና ንምጒዳል ዝሰለጠ ከም ዝኸውን ተመራመርቲ ይገልጹ።
ካብተን ዝበዝሐ ሚቴይን ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍንዋ ሃገራት ቻይና፡ ህንዲ፡ ሩስያን ብራዚልን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ እየን።