80% ካብ ህዝቢ ኣውስትራልያ ምስ ተኸትበ፡ ዶባታ ንዝመረጸተን ሃገራት ክትከፍት ከም እትኽእል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ፡ ስካት ሞሪሰን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መጠን ክታበት ናይዘን ዝተመርጻ ሃገራት፡ ዝግበር ካብን ናብን ጒዕዞ፡ ክውስኖ እዩ ክብል ሞሪሰን ኣረጋጊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣውስትራልያ፡ ከምዚ ዝበለ ስምምዕ ምስ ኒውዚላንድ ከም ዝጸንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ ብምኽንያት ምውሳኽ መጠን ለበዳ እዚ ስምምዕ ከም እተሰረዘ ዝፍለጥ እዩ።
ሓደ ሕምሲት ካብ 25 ሚልዮን ህዝቢ ኣውስትራልያ ዝቕመጣ፡ ከተማ ሲድኒ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዝኸፍአ መጠን ኮቪድ-19 ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ። ዝተኸትቡ ሰባት ትሕት ዝበለ ሓደጋ ስለዘስዕቡ ንዓኣቶም ዝምልከት ፍሉይ ሕጊታት ክተኣታቶ ይግባእ ክብል ኢሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሞሪሰን።
እንተኾነ ግና፡ ዛጊት ምሉእ ክታበት ዝረኸቡ ኣውስትራላውያን፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ እታ ሃገር 14.5% ጥራይ በጺሑ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።