ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ ዓመተ 2020፡ ክልተ ዜጋታት ሆላንድ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ኮንቴነር ተጻዒኑ፡ ካብ ኮሎምቢያ ናብ ሽወደን ገጹ ዝመጽእ ካብ ዝነበረ 500 ከረጺት ኣንትራሳይት ካርቦን፡ ኣብ 6 ከረጺት፡ ጥሑን ካርቦን ምስ ዕጸ-ፋርስ (ኮኬን) ሓዊሶም ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ብኣባላት ጉምሩክ ከምተታሕዙ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እተን 6 ኮኬን ዝሓዛ ከረጺት፡ ድሕሪ ምጽራየን፡ 18.7 ኪሎ ግራም ጽሩይ ኮኬን ከምዝወጸን፡ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ ድማ 67 ሚልዮን ክሮነር ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ።
ኣብ ሽወደን፡ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ፡ ልሙድ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ልሙድ ምዃኑን ናይ ካርቦን ጽዕነታት ድማ ብፍሉይ ክንሪኦ ከምዝግበኣና ካብ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ መሳርሕትና ምኽሪ ተወሂቡና ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ፡ ሓላፊ መርመራ ገበን ዝኾነ ክርስትያን ዮሃንሰን ገሊጹ።
መስርሕ ፍርዲ ናይዞም ክልተ ክሱሳት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ዕለት 26 ጥሪ ክጅምር እዩ።