ንብረት “ኣኖኒመዝ ሱዳን” ናይ ዝተባህለ ጒጅለ በርበርቲ ሓበሬታ “ሃከርስ” ዝኾና 61 ሰርቨራት ትማል ለይቲ ተዓጽየን። ነዘን
ንብረት ዝዓጸወ ብሕታዊ ትካል “ድሕነት ሳይበር” ምዃኑ ተሌቪዥን ሽወደን ጸብጺባ’ላ። እዞም ሰርቨራት ኣብ ጀርመን ኣብ
ኣህጒራዊ ኲባንያ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ IBM ኣብ ዝርከብ ናይ “ክላውድ ኣገልግሎት” እዮም ኔሮም።
“እዚ ኲነታት ዘይልሙድ እዩ፥ ነዚ ዕላማ ክብላ ናይ ክላውድ ኣገልግሎት ዘካርያ ሃገራት ወይ ውድባት ገበን ጥራይ ብምዃነን፡ እዚ
ጒዳይ ብሓቂ ፍሉይ ይገብሮ” ክብል ደቪድ ሊንሃል ካብ ኤጀንሲ መጽናዕቲታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ።