እቲ ቈልዓ ትምህርቲ ይጅምር እሞ የዕሩኽቲን ናይ ገዛእ ርእሱ ድልየትን ብዝያዳ ኣገደስቲ ይኾኑ። ከምኡ ኽንሱ ማዕር-ማዕረኡ ድልየት ምስ ስድርኡ ዘሎዎ ዝምድና ዓቢ እዩ።
ቤት ትምህርቲ
ቈልዑ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይምዕብሉ። ብዛዕባ ናይ ውላድኪ ሕቶታት እንተ’ለኪ ኾይኑ ወይ ሓገዝ እንተ ደሊኺ ምስ ናይ ቤት ትምህርቲ ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ቈልዑ ካብ 6 ዓመት ዝመልእሉ ጀሚሮም ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ክጅምሩ መሰል ኣሎዎም፡እዚ ብድልየትካ ዝኽየድ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ሽወደን እቶም ዝበዝሑ ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ቅድመ ትምህርቲ ይኸዱ። ቅድመ ትምህርቲ ብነጻ ኾይኑ፡ሓደ ሰፊሕ መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ምህዞ ስራሕን ጸወታን ኣሎዎ። ቈልዑ ናብ መዋእለ ህጻናትን ቅድመ ትምህርትን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ይኸዱ። ኵሉ ግዜ ቀዳም፣ሰንበትን መዓልታት ዕረፍትን፡ ዕረፍቲ እዮም።
ናይ ነጻ ግዜ
ኣብዚ እዋን ዕድሚኦም እቶም ዝበዝሑ ቈልዑ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት ዝፍትንሉን ምስ የዕርኽቶም ምኳን ኣገዳሲ ዝኾነሉን ግዜ እዩ።
እቲ ቈልዓ ንኣብነት ስፖርት ንኽገብር፣ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ንኽምሃር ወይ ስነ-ጥበብን ትያትርን ንኽፍትን ኣባል ናይ ገለ ማሕበር ክኸውን ንቡር እዩ።
ናይ’ቲ ቈልዓ ጥዕና
እቲ ቈልዓ እንተ ሓሚሙ ምስ እቲ ትኸድዮ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ብዛዕባ ናይቲ ቈልዓ ምዕባለ ሕቶታት እንተ’ለኪ ኾይኑ ምስ ክፍሊ ጥዕና ተመሃሮ (አለቭሄልሳን) ) ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡መርመራ ጥዕናን ክታበትን ይወሃብ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኵሉ ንናይ ውላድኪ ምዕባለ ዝምልከት ምኽሪ እውን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ውላድኪ እንተ ሓሚሙን ሕክምና እንተ ኣድልይዎን ምስ ናትኪ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ኣሎኪ።
ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብቲ ቈልዑ ናእሽቱ ኸለዉ ከድልዩ ዝኽእሉ መደባት ተጠርኒፍሉ ዝርከብ ሓደ ማእከል ስድራ ቤት፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ኣሎ።
ምንጪ: information om sverige