ጓል 74 ዓመት ህንዳዊት መናቱ ቖልዑ ብ ሰላም ተገላጊላ!!
ኣብ ደቡባዊ ክፍላ ህንዲ ከባቢ ኣንድራ ፕራድሽ ትነብረ ናይ 74 ዕድመ ዘለዋ ሰበይቲ ብሓሙስ ብ ሓገዝ ሓኻይም ብ ሰላም ክልተ መናቱ ተጋላጊላ። እዛ ሰበይቲ ናይ ምውላድ ግዜኣ ዝሓለፋ እኻ እንተኾነት ኣብ ቤት ፈተነ ማለት ኣብ ላባላቶሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቛቖሖ ጋል ኣነስተይቲ ብምውህሃድ ኣብ ማህጸን እዛ ሰበይቲ ብምቕማጥ ክትጠንስን ክትወልድን ዝኸኣለት።
እዛ ማንጋያማያ ማርቲ ጓል 73 ዝተባህለት ህንዳዊት ምስ ወዲ 84 ዓመት ሰብኣያ ወላድ ከምዘይነበሮም ሕጂ ግን ክለተ ደቂ ኣነስትዮ ማንታ ብምርኻባ ሕጉስቲ ሙዃኖም ገሊጻ።
ነዚ መስርሕ ዕውት ዝገብረ ዶ/ር ኡማ ሳንካራም እዛ ሰበይቲ ምስቲ ክልተ ማናቱ ደቃ ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ከምትርከብ ክገልጽ ከሎ በዓል ቤት ማንጋያማያ ማርቲ ዝኾነ ሲታራማ ራጃሮ ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ውላድ ብምርካቦም ኣዝዩ ሕጉስ ከምዘሎ እኻ እንተገለጸ ድሕሪ እቲ ብሰላም ምግልጋላ ህልዋቱ ብምስሓቱ ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቡ ከምዘሎ ተገሊጹ። ” ንስኺ ብሂወት እንተዘይሃሊኪ መን ከዕብየን እዩ ነዘን ቖልዑ ተባሂላ ዝተሓተት ኣደ ብወገና እንኻዕ እዚ ርኣኹ እምበር ደቂ ፈጣሪ ስለዝኾና ፈጣሪ ባዕሉ ኣለወን ክትብል መሊሳ።
ወላድ ንምርካብ ቡዙሕ ግዜ ከምዝፈተኑን ኣብ ቡዙሓት ሕክማና ከምዝከዱን ዝገልጹ እዞም ወለዲ፣ ውላድ ብዘይምህላዎም ካብ ከባቢኦም ተነጺሎም ዝነብሩ እዞም ስድራ ሕጂ ግን ውላድ ብምርካቦም ኣብ ህይወቶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኻኑ ገሊጾም። ብፍላይ ማንጋያማያ ማርቲ ”ውላድ ኣልባ” ኢለን ክጻረፋኒ ከለዋ ኣዝዩ ይስምዓኒ ነይሪ ክትብል ተዛሪባ።