ብሕታውያን ኩባንያታት ክንክን ጥዕና፡ ነቲ ብማሕበር ሰራሕተኛታት ዝቐረበ ጠለብ ምውሳኽ ደሞዝ ኣወንታዊ መልሲ እንተዘይሂበናሉ፡ ኣብ ዝቕጽል 10 መዓልታት፡ 55 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ኣድማ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓቢሩ። ነዚ ጉዳይ፡ ተገዲድና ኢና ንፍጽሞ ዘሎና ክብል ፕረሲደንት ፈደሬሽን ቶቢያስ ቦውደን ምሕባሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣቃሊሑ።
ኣብ መንጎ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ማሕበር ብሕታውያን ኩባንያታት ክንክን ጥዕና ኣልሜጋ (Almega) ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ከም ዘቛረጸ ይዝከር። ማሕበር ሰራሕተኛታት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ክሳብ 15 ጥሪ 2021 ኣብ ዘሎ እዋን፡ ዝኾነ ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ፡ ስራሕ ክንክንን ጥዕናን ብሕታውያን ኩባንያታት ደው ክብል ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዚ ንተሓጋገዝቲ ነርሳትን ተሓጋገዝቲ ክንክን ጥዕናን ከምኡውን ሰራሕተኛታ ቤት ምግቢ ክንክን ጥዕና ዝምልከት እዩ።
ሃናጺ ዝኾነ ዘተ ይካየድ እኳ እንተ ነበረ ነቲ ጠለባትና ክሰማምዕሉ ዘይምዃኖም ትምሊ ፈሊጥና ክብል ቦዲን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ህዝባዊ ጽላት ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዝበዝሐ ደሞዝ ክኽፈለና ኣይኮንናን ንሓትት ዘሎና ድማ ኢሉ።
ከም ካልኣይ ደረጃ፡ ሰራሕተኛታት መደበራት ክንክን ጥዕና፡ ካብ 22 ጥሪ 2021 ጀሚሮም ምውሳኽ ደሞዝ ክጠልቡ ምዃኖምን ሕቶኦም ኣወንታዊ መልሲ እንተዘይረኺቡ ድማ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ሓቢሩ።
እቶም ኣብ ብሕታውያን ኩባንያታት ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ኣባላት፡ ልዕሊ እቶም ኣብ ህዝባውያን ጽላታት ዝሰርሑ ኣባላት፡ ኣብ ዝሓላፈ ክረምቲ ዝረኸብዎ ወሰኽ ደሞዝ ይሓቱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ሃገር፡ ብለበዳ ኮሮና ተሓሚሳትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ካብዘን ብሕታውያን ኩባንያታት፡ ከምዚ ዝበለ ባህርያት ንርእይ ምህላውና ዘስደምም እዩ ዝበለ ቦውደን፡ እዘን ኩባንያታት፡ ወሰኽ ደሞዝ ናይ ኣባላተን ክቋወማ ኣይተጸበኹን ኢሉ። ገንዘቦም ኣብ ክንዲ ንኣባላቶም፡ ከይተሰከፋ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕላ ተራእየን። እዚ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ታሪኻዊ ክኸውን እዩ፡ ኣብቲ ዝግበር ኣድማ፡ ኣረጋውያን ንኸይህሰዩ ንምውሓስ፡ እቲ ጉዳይ፡ ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ከም ዝተሓዝ ክንገብር ኢና።