ኣብ ክባቢ ስቶክሆልም ምስ ጎነጻዊ ንጥፈታት ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም፡ ብዙሓት ኣጽዋራት
ከኣ ከም እተታሕዙ ተገሊጹ። እዚ ይዂንምበር ኲነታት ጸጥታ ይመሓየሽ ምህላዉ ዘመላኽት ዝኾነ ኣንፈታት የለን ተባሂሉ’ሎ።
ካብ 20 ጥሪ ኣትሒዞም ፖሊስ ካብ ካልኦት ዞባታት ረዳት ብምትእኽኻብ ኣንጻር ጎነጽ ጒጅለታት ገበን ክቃለሱ ምጽንሕም
ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድም ብዙሕ ኣጽዋርን ጥርጡራትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ሓላፊ ስርሒታት እዚ ምትእኽኻብ
ኒኮላስ ኣንደርሾን ን እገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢሩ።
እዚ ቅየዳ ነቲ ጎነጻዊ ገበን ከም ዝንኪ ምግባሩ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ ጨሪሱ ደው ከብሎ ከም ዘይከኣለ፥ ኣብ ዝተናውሐ ግና
ዝድለ ውጽኢት ከምጽእ’ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ኣንደርሽ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊስ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ካብ ኩሉ ክፋል ሕብረሰተሰብ ሓገዝ ከም ዝደልዩ፡ ብፍላይ ድማ ወለዲ ደቆም ናብ
ጒጅለታት ገበን ከይሳተፉ ኣብ ምግባር ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ኣንደርሽ ኣተሓሳሲቡ።