ኣብ መላእ ዓለም፡ ልዕሊ 4 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ ኣሎ። መጠን ክትባት፡ ኣብ 26 መዓልታት ካብ 2 ናብ 3 ቢልዮን እኳ በጺሑ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ናብ 4 ቢልዮን ንምብጻሕ፡ 30 መዓልታት ብምውሳዱ፡ መጠን ክትባት ቁሩብ ጎዲሉ ከምዘሎ የርእየካ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ቀዳመይቲ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ ንምብጻሕ፡ 140 መዓልታት ክወስድ እንከሎ፡ እታ ካልኣይቲ ቢልዮን ግን ኣብ 40 መዓልታት ተበጺሓ። ካብቲ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ብልቃጥ ክታበት፡ 1.6 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ ቻይና ከም ዝሃለኸ ይፍለጥ።
ሃገረ ህንዲ፡ 451 ቢልዮን፡ ኣሜሪካ ድማ 343 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ዓዲለን ምህላወን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ምሉእ ክታበት ዝኸተባ ሃገራት ብዝምልከት፡ ኢማራት፡ ን100 ሰባት 168 ብልቃጥ ክታበት ብምድላው፡ እታ ዝቐልጠፈት ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮፓዊ ሕብረትን፡ ዳርጋ ፍርቂ ነበርተን ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ሃገራት ሳልሳይ ዓለም፡ ብጀካ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ብሩንዲን ኤርትራን፡ እተን ዝበዝሓ ክታበት ጀሚረን ከምዘለዋ ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ዘሎ ምምቕራሕ ናይ ክታበት፡ ምዕሩይ ከምዘይኮነ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ሃብታማት ሃገራት፡ ን 100 ሰባት፡ ብገምጋም 97 ብልቃጥ ክታበት ከዳልዋ እንከለዋ፡ እተን ድኻታት ሃገራት ድማ፡ ን 100 ሰባት፡ ብገምጋም 1.6 ብልቃጥ ክታበት ከም ዘዳለዋ፡ ገሊጹ።