ሰብመዚ ድሕነትን ሰብኣዊ ድሕነትን ብዘካየድዎ ምክትታል ካብ 2005 ጀሚሩ 300 ቢልዮን ክሮና ዝኸውን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ገንዘብ ናብ ዘይግብኦም ሰባት ምምቕርሑ ገሊጾም። እዚ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ክንሱ ምንም ንዕኡ ከትርፍ ዝኽእል ኣገባብ ዘይምትእትታዉ’ውን ኣቃሊዖም። ኣብ ሰባኣዊ ድሕነት ሓላፊ እዚ ክፍሊታት ሴቨን ኤሪክ ኦስተርበርግ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝራቚ ንምዕጋት ኣገባባት ከእቱ እማመ ከቕርብ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ብመሰረት እቲ ንሱ ኣባላ ዝነበረ ናይ ምክትታል ጒጅለ ካብ ዓመተ 2005 ኣትሒዙ ካብ ክፍሊት ድሕነት እንተላይ ጡረታ ክሳብ 18 ቢልዮን ክሮና ብጌጋ ናብ ዘይግብኦም ከም ዝመቓራሕ ከም እተገብረ ኣመልኪቱ። ንሱ” እዚ ማል ኣብ ካልኦት ጽላታት ኣብ ህጹጽ ጽገናታት ክውዕል ምኸኣለ” ድሕሪ ምባል ስርዓተ ድሕነት ኣብ ውሳነታቱ ገለ ጌጋታት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።