ሓንቲ ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ ጄት 737 ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምንቃላ ከም እተሓምሸሸት ተገሊጹ።
እቲ መንገዲ ኣየር ከም ዝገለጾ 149 ገያሾን 8 ኣባላት በረራን ኣብ ቊጽሪ በርራ ET 302 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ይገሹ ምንባሮምን ኲሎም ድማ ምሟቶም ገሊጹ።
ካብዞም ዝሞቱ 32 ኬንያውያን 18 ካናዳውያን 8 ኣመሪካውያን 7 ከኣ ኢጣልያውያን ዜጋታት ይርከብዎም።
እዚ ምሕምሻሽ እዛ ነፋሪት ኣብ 8፡44 ናይ ንግሆ ዘጋጠመ ኮይኑ እታ ነፋሪት ካብ እትበርር ሸሞንተ ደቓይቕ ድሕሪ ምቚጻራ እዩ ኣጋጢሙ።