ምምሕዳር ወረዳ ክኒቭስታ ካብ ብመቕጻዕቲ መኪና ደው መበሊ( ፓርኪንግ) ዝኣከቦ ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ናብ ተቕጻዕቲ ክመልስ ተገዲዱ። እቲ ምምሕዳር ከምዝሓበሮ፡ ምኽንያት ናይዚ ዉሳነ ምምሕዳር ክኒቭስታ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንመካይን ደዉ ዝብላሉ ቦታ፥ ዝሕሉን፥ ግቡእ ናይ ምቕጻዕ መሰል ዘሎዎ ኣካል ሓለዋ፥ ከይመደበ ብምጽንሑ፥ ስለዝተረጋገጸ ምኻኑ፡ ክብል ባዓል መዚ መገድታት እቲ ወረዳ፡ ክሪስቶፈር ክቫንስትሮም ንጋዜጣ ንያ ቲድኒንግ ኡፕሳላ ሓቢሩ። እቲ ብጌጋ ክእከብ ጸኒሑ ተባሂሉ ዘሎ ገንዘብ፡ ካብ ዓመተ 2014 ዝሕሰብ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝትመን ገንዘብ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ምምሕዳር ወረዳ ክኒቭስታ ምስ ባዓል መዚ መጓዓዚያ ሽወደን ብምዃን፡ ዋጋ ክሳራ ናይቲ ጌጋ ክንደይ ክኸዉን ከምዝኽእል ንምንጻር፡ ሓባራዊ ምርመራ ጀሚሮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
Year: 2018
EkonomiTT-AFP እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ተጀሚሩ ዘሎ ንግዳዊ ኵናት ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ዋሺንግቶን ”ነቲ ካራ...
ስነጽሑፍ T T ሳሚ ስዒድ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ፡ ብ1979 ድማ ጌና ህጻን ከሎ ምስ ስድራኡ ናብ ሃገር...
SVT Nyheter እቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሕጊ ካብ 2016 ጀሚሩ ኪሰርሕ ምስ ጀመረ ኣትሒዙ ኣስታት ሽሕ ሓደስቲ...
ኣልኮምፒስ፡ ሽወደን (Reuters) – ሓንቲ ጓል 20 ኣብ ገዝኣ ኣብ ሺስታ፡ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ብፖሊስ ሞይታ ተረኺባ። ፖሊስ...
ኣንስቲ ጥራይ ኣይኮናን ዚዕመጻ ዘለዋ! ብመሰረት ሽወደናዊ ራድዮ ጸብጻብ፡ እቶም ድሕሪ ምዕማጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት ካብቲ...
ንፖሊሲታት ስደተኛታት ብዚምልከት ኤ.ሕ (EU)ምስ ግብጺ ብዝያዳ ክትሰርሕ ትደሊ። ይኹንምበር እንታይ ዓይነት ምትሕብባር ከም እተደልየ ንጹር ኣይኮነን።...
BostadTT ኣብዘን ዓሰርተ ዓመታት፡ ቍጽሪ ናይቶም ገዛ ንኽረኽቡ ናይ ኮሙን ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ዕጽፊ ኾይኑ ኣሎ፡ ይብል...
ሄኖክ ጎይቶኦም ኣብ ርእሱ ክልተ ድምጺ ጥራይ ነይሩዎ፥ ሓንቲ ኣሉታዊት፡ ሓንቲ ድማ ኣዎንታዊት ንሓንቲአን ጥራይ ሰሚዑኢ ኣብታ...
EU Bryssel, TT:s korrespondent እቲ ንስደተኛታት ዚምልከት እተፈላለየ ርእይቶታት ነተን ኣባላት ኤ.ሕ ኣብ ምፍሕፋሕ ኣእቲዩወን ኣሎ። ኣብቲ...