ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝቕጽል ዓመት ልዕሊ ዒስራ ምምሕዳራት ሽወደንን ገለ ከባቢታትን መጠን ዝኽፈል ግብሪ ክውስኻ እየን ክብል ሃገራውን ምምሕዳራውን ኮንስል (SKL)ሓቢሩ። ብዙሓት ምምሕዳራት ናይ ምቑጣብ ዓቕመንን አድማዕነት ኣሰራርሓን ንኸመሓይሻ ይጽዕራ ከምዘልዋ ይገልጻ።
ብመሰረት SKL ዝበሎ: ምስ ምውሳኽ ቁጽሪ ዓበይትን ከምኡ ውን ቁጽሪ ናይቶም ሸኸም ባጀት ምምሕዳራት ኮይኖም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ እዚ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ዲሞግራፍያዊ ለውጢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ይኹን እምበር: እዘን ምምሕዳራት ሃገራውያን ኮንስላትን ካብ ማእከላይ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ እንተዘይረኺበን ወላ ምስቲ መዲበነኦ ዘለዋ ወሰኽ ግብሪ ክሳብ ዓመተ 2023 ዝበጽሕ ከባቢ 43 ቢልዮን ክሮነር ክኸስራ ተኽእሎ ከም ዘሎ SKL ሓቢሩ።