ሃገረ ፈረንሳ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ለበዳን ኣዋሃህባ ክታበትን ብሕጊ ምእንቲ ክጸድቕ፡ ብዝብል ፖለቲካዊ ዉሳነ፡ ዝተኸተቡን ዘይተኸተቡን ሰባት ንምፍላይ ብመሰረት ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ፡ ምህላዉ ሰነድ ክታበት ብሕጊ ግዴታ ኮይኑ ከምዘሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ ኣፍሊጦም።
ብመሰረት እቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ዝኾነ ሰብ ከምዝተኸተበ ዘረጋግጽ ሰነድ ክታበት ምስ ዘይህልዎ ካብ ዝተፈላለየ መሰላትን ኣገግሎትን ክሕረም ዘሎዎ ዕድል ዓቢ ከምዝኾነ ይንገር።
ፕረዚደንት ኣማኒኤል ማክሮን፡ ነቶም ኣንጻር እዚን ካልኦት ንምክልኻል ለበዳ ኣመልኪቶም ዝወጹ መምርሕታት ብምቅዋም፡ ኣብ ጎደናታት ዝወጹ ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ከምዘመልከቶ፡ ክታበት ከይወስድካ ንኻልኦት ሰባት ጠንቂ ምልባዕ ኮሮና ምዃን ዝዓበየ ስሰዐን ኣመል ንዓይ ይጥዓመኒ ዝመስሉ ጠባያት ምዃኑ፡ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ ፈረንሳ ነዚ ዘሳሲ ባይታ ክህሉ ክፍቀድ ከምዘይብሉ ኣገንዚቡ ክብል ካብታ ሃገር ዝወጸ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረዲኡ።