17 ሽወደናውያን ብርክት ዝበሉ ምስ ጎነጽ ብዝዛመዱ ገበናት ኣብ ዴንማርክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። ሓያሎ ካብኣቶም መንእሰያት እዮም። እቶም ሽወደናውያን ናብ ጎረቤት ሃገር ዴንማርክ ተጓዒዞም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ጎነጻውያን ጒጅለታት ተጠርኒፎም ገበን ክፍጽሙ ምጽንሖም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ጎነጻዊ ምንቅስቓስ ካብ ወቕቲ ጽድያ ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎ እዩ ክትብል መደብ ፒ 3 ክሪም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
“ካብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት ገበን ንምፍጻም ናብ ዴንማርክ ክምልመሉ ምጽንሖም ሕጂ ኢና ንሰምዕ ዘሎና፡፡ ምስዞም ጒጅለታት ቦምባ ኢድ ምፍንጃርን ናብ ሰብ ምትኳስን ዝኣመሰለ ጎነጽ ክስልጥኑ ጸኒሖም ኣለዉ” ይብል ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ኣሃዱ ፍሉይ ገበናት ፖሊስ ዴንማርክ ቶርበን ግራናት ስቫረር