ኣብ ባይቶ ኖርወይ (ስቶርቲንግ)፡ ኮሚተ ምቊጽጻርን ቅዋምን፡ 16ን 17ን ዝዕድሜኦም ኖርዌጃውያን ኣብ ምርጫ ምምሕዳር ከተማን ቆንስል ካውንቲን ክሳተፉ ፈቒዱ። ለበዋ እቲ ኮሚተ፡ ብ ሰልፊታት ዕዮ፡ ዴሳዊ ጸጋማይ፡ ቀይሕ ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን ሊበራል ናብ ኣጀንዳ ምቕራቡ ባይቶ ኖርወይ ገሊጹ’ሎ። እዘን ኣርባዕተ ሰልፊታት ብሓባር፡ ኣብ ኮሚተ ምቊጽጻርን ቅዋምን ዝበዝሐ ድምጺ ከም ዘለወን ዝፍለጥ እዩ። “ኣብ ባይቶ ኖርወይ ዘለዉ ፖለቲከኛታት፡ ነዚ ታሪኻዊ ዕድል ተጠቒሞም፡ ዴሞክራሲ ኖርወይ ክሰፍሕ ኣብ ምግባር ተራኦም
ክጻወቱ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ዋና ጸሓፊት ትካል ህጻናት ኣድሕን፡ በርጊተ ላንገ ገሊጻ’ላ። ብኻልእ ሸነኽ፡ እዚ እማመ ኣብ ጠቕላላ ምድማጽ ባይቶ ኖርወይ፡ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ክገብር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ዝበዝሑ ካብ ሰልፊታት ዓቃባውያን፡ ማእከላይን፡ ገስጋሲ ከምኡ’ውን ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ፡ ነዚ 16ን 17ን ዝዕድሜኦም ኖርዌጃውያን ኣብ ምርጫ ምምሕዳር ከተማን ቆንስል ካውንቲን ክሳተፉ ዝብል ሓሳብ ተቓዊሞም ኣለዉ።