ቤት ፍርዲ ካልማር፡ ን16 ቆልዑ ዝዓመጸት ጓል 30 ዓመት ዝኾነት ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ መምህር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽትኣቱ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ።
እታ መምህር ብ9 ክስታት ትጥርጠር ምንባራ ይፍለጥ። ብወገን ኣኽባሪት ሕጊ ድማ ተወሳኺ 7 ክስታት ተወሲኽዋ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ጉዳይ እታ መምህር ኣብ መባእታዊ ምጽራይ እንከሎ ካልእ ገበን ከም ዘሎ ጥርጣረታት ኔሩና፡ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ካልማር፡ ተወሳኺ ናይ ገበን ጉዳያት ብምርካብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽትኣቱ ወሲኑ ክትብል ኣኽባሪት ሕጊ፡ ሊንዳ ካንዮስ፡ ሓቢራ።
እዛ መምህር ንመጀምርታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወትሉ ግዜ ዕለት 11/06 ምንባሩ ይዝከር። እዛ መምህር ብ16 ናይ ቆልዑ ምዕማጽ ገበናት ከምትኽሰስን ካብዚኣተን እተን 6 ብጾታዊ ዓመጽ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። እዛ መምህር ነዞም ገበናት ኣብ መንጎ ዓመተ 2014 ን 2015 ኣብ ምምሕዳር ካልማር ከምዝፈጸመቶም ተሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ወዲ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ 10 ቆልዑ ብዝፈጸሞ ናይ ዓመጽ ተግባራት ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።
እዚ ሰብኣይ ብጀካ ናይ ዓመጽ ገበን፡ ብኻልእ ገበን ውን ተኸሲሱ ከምዘሎ ሊንዳ ካንዮስ ገሊጻ።