መርበብ ተሌቪዥን ሽወደን 4 ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ድዂም ቊጠባዊ ኲነታት፥ ማለት ውሑድ ባጀትን ድኽነትን ዘለወን ምምሕዳራት ሽወደን ምውሳኸን ተመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ካብ 21 ምምሕዳራት እተን 15 ኣብ 2019 ብሕጽረት ቊጠባ ተሃስየን ምህላወንን ተገሊጹ። ዋሕዲ ቁጠባ ካብ ሰለስተ ዞባታት እታ ሓንቲ ንጽይጉማት እዂል ጥዕናዊ ኣገልግሎት ከይረኽቡ ጠንቂ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
“ነፍሲወከፍ ሰብ ክንሕዝ ክንጽገም ኢና። ብዙሕ ምስንባት ስራሕ ክንዓምም ክንግደድ ኢና። ንኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዩምታላንድ ዝኸውን ዝነበረ ገንዘብ ብምህላኹ ምስ ሕሙማት ብኸመይ ንራኸብ ዝብል ሓድሽ ኣገባብ ምንዳፍ ከድለየና እዩ።” ክትብል ሓላፊት መባእታዊ ክንክን ጥዕና ዩምታላንድ ኣና ግራኖፋርን ገሊጻ። “እዚ ኲነታት ኣዝዩ ሕማቕ ብምዃኑ ምወላ ክንረክብ እውን ጸገም ኮይኑና ኣሎ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ’ላ።