ኣብቲ ኣካል ፕሮግራም ዳግመ ምጥያስ ምዃኑ ዝተገለጸ ምግዓዝ፡ 10 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ሓንቲ ስድራቤትን ከም ዝርከብዎም ተገሊጹ።
ሰለስተ ካብቶም ቆልዑ፡ ንዓመታት ተፈልዮሞም ምስ ዝጸንሑ ስድራቤቶም ክራኸቡ ምዃኖም’ውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ማእከል መአከብን መፋነውን፡ ዩኤንኤችሲኣር (GDF) ዝህቦ ኣገልግሎታት ከቋርጽ ምዃኑ ገለጹ እዩ።
ጂዲኤፍ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ማእከል ሰደተኛታት ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ንዝርከበቡ ሓተትቲ ዑቕባ ውሑስ ኩነታት ንምፍጣር ምስ መንግስቲ ሊብያ ብምርድዳእ፡ ዝቖመ ማእከል ምፍናው እዩ።
ካብቲ ማእከል ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዝግባእ ዝተለለዩ ስደተኛታት ናብ ኒጀር፡ ሩዋንዳን ሃገራት ኣውሮጳን ከፋኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ እዋን ግና፡ እቲ ማእከል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ተጨናኒቑ ምህላው ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ ሊብያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር ከሊፋን ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ትሪፖሊን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናሓለ ይመጽእ ኣሎ።
ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር ከሊፋ፡ ኣብቲ ንርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ፡ ነቲ ብደረጃ ዓለም ዝተኣገደ ክላስተር ቦምባ ተጠቒሞም ክብል ከሲሱ’ዩ።
ምንጪ: ቢቢሲ ትግርኛ