መምህራን፡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን (Yttrandefrihet) ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣብ ዝምህርሉ እዋናት፡ ውሕስነት ንኽስመዖም፡ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግባእ ደገፍን ሓገዝን ስለዘይረኽቡ ዘለዉ፡ ዝሓሸ ሕጋዊ ውሕስነት ክግበረሎም፡ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ጸዊዑ።
ሓደ ካብ ሓላፍነት ናይ መምህራን፡ ንዲሞክራስን ናይ ማዕርነት ክብርታትን ምጥባቕ እዩ። ነዚ ሓላፍነት ንምትግባር ንሓደጋ ኣብ ዝቃልዕሉ እዋናት፡ ግቡእ ዝኾነ ውሕስነት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም፡ ብቐሊሉ ክትቅበሎ ዘይትኽእል ምኽንያት እዩ ክትብል ሓላፊት ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ኦሳ ፋህሊን፡ ገሊጻ።
ተወሳኺ ሕጋዊ ውሕስነት ምግባር ማለት፡ ንኣገዳስነት ምስትምሃር ዘዕዝዝን ሓላፍነት ዘሰክምን ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ተቐላጢፉ ከተግብሮ ይግባእ ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ሓደ መምህር፡ ኣብ እዋን ምስትምሃር ሓደጋ ከጓንፎ እንከሎ፡ እቲ ፍጻሜ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ተራ ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ጌርካ ክውሰድ ከምዘይግባእን ልዕሊኡ ጌርካ ክሕሰብ ከምዘለዎን ብምጥቃስ፡ ብዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ድማ፡ ሓደ መምህር፡ ኣብ ትሕቲ ምፍርራህ ክኣቱ ኣይግባእን ክትብል፡ ኦሳ፡ ገሊጻ።