40 ዝኾኑ ኣባላት ገበናዊ ጉጅለታት፡ ካብተን ጉጅለታት ክእለዩ ድልየት ከምዘለዎም ምግላጾም፡ ፖሊስ ማልመ፡ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ።
ካብ 2018 ጀሚሩ፡ ቤት ምኽሪ ከተማ ማልመ፡ መንእሰያት ካብ ገበናውያን ጉጅለታት ንኽናገፉ፡ ብስም “ቶኽሲ ደው ኣብሉ” ዝፍለጥ፡ ጎስጓስ ከካይድ ምጽንሑ ይዝከር።
እቲ ናይ ጎስጓስ መስርሕ፡ ናብ 132 ኣብ ገበናዊ ጉጅለታት ከም ዝነጥፉ ዝንገረሎም ሰባት ከምዝበጸሐን፡ እቶም 40 ካብተን ጉጅለታት ክእለዩ ከምዝደልዩ ክሕብሩ እንከለዉ፡ እቶም 20 ድማ ናብ ካልእ ቦታ ጊዒዞም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
እቶም ነዘን ገበናውያን ጉጅለታት ዝገድፉ ሰባት፡ ብመንገዲ እዚ ጎስጓስ ኣቢሎም፡ ወለንታዊ ንጥፈታት ንኸካይዱ ዕድል ክረኽቡ እዮም።
እቶም እዚ ጎስጓስ ዝበጸሖም ሰባት፡ ካብ ገበናዊ ሂወት፡ ተስፋ ከምዝቖረጹን፡ ናይ ሸቐልቀልን ቀጻሊ ፍርህን ሂወት ከምዘሰልቸዎምን ገሊጾም።