ሓንቲ 130 ቶን ነዳዲ ዝጸዓነትን ናይ ቻይና ባንዴራ እተንበልብልን መርከብ ኣብ ገምገም እኩባት ደሴታት ህንዳዊ ውቅያኖስ ድሕሪ ምዕራያ ፡ ሃገረ ሞሪሸስ፡ ናብቲ ቦታ ሓለዋ ገማግም ምውፋራ ተገሊጹ።
ኣብ ገማግም ሞሪሸስ፡ ምብልሻው መርከብን ምፍሳስ ነዳዲ ዘይትን ከጋጥም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ ምዃኑ ኣልጀዚራ ጸብጺባ። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ገማግም እታ ሃገር ብዘጋጠመ ምብልሻው መርከብ 1000 ቶን ነዳዲ ናብ ማያታ ምፍሳሱን ዓብዪ ከባብያዊ ብከላ ምስዓቡን ወሲኻ ሓቢራ።
ካፕቴን እታ መርከብ፡ ብሰንበት ቀትሪ፡ ናይ ርድኡና ጥሩምባ ከም ዝነፍሐን፡ ብሰኑይ፡ መርመርቲ ናብቲ ቦታ ከም እተላእኩን ዛጊት ዝኾነ ናይ ዘይቲ ምፍሳስ ምልክት ከምዘይረኣዩን ገሊጾም ኣለዉ።