ኣብ ሄሰልሆልም ዝርከብ Bergendahls Food ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩባንያ ዝርከቡ 130 ዝኾኑ ሰባት ዘሰንብድ መልእኽቲ ብዘይተጸበዩዎ መንገዲ ኣቢሉ ብሓሙስ ከምዝበጽሖም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣፍሊጡ።
ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኖራ ስኮነ (Norra Skane) እንድሕር ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ዝተመልአ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ብኢ.ሜይል ኣድራሻታታ ናይቶም ሰራሕተኛታት ኣቢሉ ኩሎም ካብ ስርሖም ከምዝተሰጎጉ መተሓሳሰቢ ክብጽሖም ከምዝተገብረ ተፈሊጡ’ሎ።
“ዝኾነ ይኹን ሕቶ ክንሓትት’ኳ ዕድል ኣይረኽብናን፥ እቲ መልእኽቲ ምስተመሓላለፈ እቲ ተመሊኡ ዝነበረ ትሕዝቶ ናይቲ ቪድዮ ብኡ ንብኡ እዩ ካብቲ መስኮት ዝተሰወረ” ክብል ሓደ መንነቱ ክፍለጥ ዘይደልይ ሰራሕተኛ ነቲ ጋዜጣ ኣቃሊሑ።
ካብ ዝሓለፈ ቀውዒ ጀሚሩ እዚ Bergendahls Food ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩባንያ ብኻሊእ ዳጋብ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ኩባንያ ዝተወነነ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ገለ ለውጥታት ከምዝመጹ ትጽቢታት ገይሮም ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ይኹን እምበር በዚ ብርኪ‘ዚ ክንድዚ ዝኣክል መስጎግቲ ክስዕብ እዩ ዝብል ግምት ከምዘይነበር ተፈሊጡ’ሎ።።
ዋና ሓላፊት ናይ ዳጋብ ክፍሊ ርክባት ዝኾነት ሜሪ ስቫንቶን፡ ንኖራ ስኮነ ከምዝሓበረቶ ነቶም ሰራሕተኛታት ብዲጂታል መልክዕ እቲ ሓበሬታ ክበጽሖም ዝተገብረ ብሰንኪ ናይ ኮቪድ ዝፈጠሮ ጸገም ከም ዝኾነ እያ ገሊጻ። ኣብ ክንዲ ብዲጂታል ብዝተገብረ ናይ ቀጥታ ኣኼባ ካብዝኸውን ኣቐዲሙ ብዝተመልአ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ንክኸውን ዝተገብረሉ ምኽንያት ድማ እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ እዩ ክብሉ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ናይ ዳጋብ ሰባት ኣብሪሆም።