ተሌቪዥን ሽወደን፡ ኣብ ዘካየዶ መርመራዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 50 ዝኾና ብጥሩፋት እስላማውያን ዝውነና ውድባትን ኩባንያታትን ብሓደ ቢልዮን ክሮና ዝግመት ኣብ ውሽጢ ሽወደን ወፍሪ ምግባረን ኣቃሊዓ። ዝበዝሐ ካብዚ ገንዘብ፡ ኣብ ጽላታት ውልቃውያን ቤት ትምህርታት ዝወዓለ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ። ብመሰረት ጸብጻባት መርበብ ሓበሬታ ሲረን፡ ኣስታት 550 ሰባት ምስ እስላማውያን ጥሩፋት ወገናት ርክብ ዘለዎም ምዃኖም ሓቢሮም።
ርጉጽ’ዩ፡ ዕላማ እዘን ኩባንያታት ገንዘን ንምኽዕባት እኳ እንተኾነ፡ ካብ ሃይማኖት ንዝረሓቑ መንእሰያት ንምጽላውን ንምንጻልን ዝጥቀማሉ እዩ ክብል ኣብ ኮሌጅ ምክልኻል ሽወደን ተመራማሪን ክኢላን ጉዳያት ግብረ ሽበራ ዝኾነ ማግኖስ ራንስቶርፕ ይገልጽ።
ኣብ ዮተበሪ ዝመደብሩ ብናይ ሳይነስ ቤት ትምህርቲ ቪየተንስኮፕስኩላን (Vetenskapsskolan) ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ሳፊርስኮላን (Safirskolan) ከምኡ ውን ኣብ መብዛሕትአን ሰሜናውያን ምምሕዳራት ከተማ ዝነጥፋ ብቢላል ቅድመ ትምህርቲ ዝፍለጣ ኣብ ዓመታት 2015-2019 ልዑል መጠን ቢዝነስ ካብ ዘለወን ኩባንያታት ምዃነን ድማ ተገሊጹ።
ንካልኣይ ደረጃ ኤዲኒት (Edinit high school) ዘካይድ ኩባንያ ድማ ምስ ኣብ ፈሌንግቢ ዝርከብ ኣል-ኣዝሃር ርክብ ከም ዘለዎን ክሳብ 2018 ምስ 30 ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ብ 150 ሚልዮን ክሮና ዝግመት ዋኒን የንቀሳቐሳ ምህላወን ሰሪን ገሊጹ።
ኣብ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከተማን ኣብ ዌስትማንላንድ ዝርከባ ምምሕዳራት ካብዚ ዝተጠቕሰ ብዕጽፊ ዝግመት ናይ ዋኒን ስምምዓት (ማለት 300 ሚልዮን ክሮና) ምክያደን ተፈሊጡ። ብመሰረት ሲሪን፡ ሓደ ካብቶም ምርኡያት ተወከልቲ እዚ ጉጅለ ምስ ኣኽረርቲ እስልምና ርክብ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ድማ ዛጊት፡ ቪየተንስኮፕስኩላን ትርከበን ክልተ ኣብያተ ቤት ትምህርታት በዚ ምኽንያት ከምዝዕጸዋ ተጌረን ኣለዋ።
ካብ ባሕቲ ጥሪ 2019 ጀሚሩ፡ ተቖጻጻሪ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ብዛዕባ ዋንነትን ስራሕን እዘን ትካላትን መርመራ ምክያድ ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ብዙሕ ድሩትነት ግን ነይርዎ እዩ።
መሰረታዊ መሰልን ናጽነትን ማሕበራት ከነኽብር ንግደድ ብምዃንና ስራሕና ከምቲ ዝድለ ከይነካይድ ተሓሊኽና ኢና ኔርና ክብል በዓልመዚ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ሻርሎት ስቫንስትሮም፡ ይገልጽ።
በዚ ድማ ከምቲ ናይ ስርዓተ ባንክ ዝኣመስሉ ዝሓሹ ናይ መርመራ ኣገባባት ክተኣታተዉ፡ ራንስቶርፕ፡ ጸዊዑ።