ኣብ ከተማ ሉልዮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ሓንቲ ጓል 30 ዓመት ሰበይቲ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዋኒን ምምሕዳር በርቪከን ዝኾነ መንበሪ ዝፈጸመቶ ገበን ተኸሲሳ ኣብ ፍርዲ ምቕራባ SVT ሓቢሩ።
ኣብ መኻዚኖን ኣብ መንቀጺ ገዛን ናይቲ ህንጻ ሓዊ ከምዘሳወረት ኣብ ግዜ መርመራ ከምተኣመነት ተገሊጹ።
እታ ገበነኛ ሰበይቲ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ፡ 12 ሰባት ምህላዎም እናፈለጠት ነቲ ማዕጾ ኣትሪራ ክትዓጽዎ ስልዝፈተነት ውን ክሲ ወሪድዋ ኣሎ።
ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጻሓሉ እዋን፡ እታ ሰበይቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምጽናሓ ይንገር።
ምምሕዳር እቲ ከባቢ፡ ንዝወረደ ክሳራ ካብ 5 ክሳብ 6 ሚልዮን ክሮና ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓቢሩ ኣሎ።