ኣብ ሽወደን ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ብጌጋ ኣድራሻ ተመዝጊቦም ኣለዉ ተባሂሉ። ካልኦት 100 ሽሕ ሰባት መንበሪኦም ቀዪሮም እናሃለዉ ኣብኡ ከም ዝነብሩ ኮይኖም ተመዝጊቦም ምህላዎም፥ እዚ ድማ ንከም ግጒይ ኣስራርሓ ክፍሊት ስርዓተ ድሕነት ዝኣመሰሉ ነገራት ብዓቢኡ ከም ዘቃልዕ ትካል ምእካብ ግብሪ ሽወደን ይገልጽ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መዝገብ ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን ዝሓለፈ ዓርቢ ብመንግስቲ ዝቐረበ መደምደምታ እዩ። ሚእቲ ሽሕ ሰባት ካብ ህዝቢ ሽወደን ኣስታት ሓደ ሚእታዊት ጥራይ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ምፍላጥና ዓብዪ ነገር እዩ ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ኤልሳቤጥ ስቫንተሰን ገሊጻ’ላ።