ካብ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ዝተረኽቡ ኣሃዛት ከም ዝሕብርዎ ሓደ ካብ ዓሰርተ ካብቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሽወደናውያን ናይ ኢንሹራንስ ኣገልግሎት ከም ዘይጥቀሙ SVT ሓቢሩ።
ናይ ኣባይቲ ናይ መድሕን ጉዳይ ብቐንዱ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኩፐርጎርደነን፡ ብላድስክሮና፡ ዘጋጠመ ናይ 100 ሰባት ኣባይቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝገበረ ሓደጋ ባርዕ ምልዓሉን ካብኣቶም ድማ እቶም ሸሞንተ ናይ ገዛ ውሕስነት (insurance) ዘይነበሮም ብምዃኑ ነቲ ኩነታት ኣሸጋሪ ገይርዎ ይርከብ።
ገሊኦም ስድራቤታት ኣብ ቀረባ እዋናት ንሽወደን ዝኣተዉ ብምዃኖም ሕብረተሰብ ሽወደን ብኸመይ ኣገባብ ወይ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ኢንሹራንስ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ዘይብሎም እዮም ክትብል ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓላፊት ኣሃዱ ስድራ ቤትን ህጻናት ሽወደን ካሪና ጆርዲኒ ሓቢራ።
ንኣብነት ስድራ ማጅዳን ሪያስን ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ናይ ኢንሹራንስ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ካብ ምዃን ምብኳሮምን ገዝኦም ምስኣኖምን ተገሊጹ። “ኣሰራርሓ ኢንሹራንስ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ስለዘይንፈልጥ ናብዚ ገዛ ክንኣቱ እንከሎና ጉዳይ ናይ ኢንሹራንስ ኣብቲ ውዕል እቱው ስለ ዝመሰለናን ብዙሕ ተጐዲእና ኢና” ድማ ኢሎም። ሪያስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ማጅዳ ደቂሶም እንከለዉ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል እቲ ህንጻ ባርዕ ከም እተኸስተ ካብ ብጻዮም ናይ ሞባይል ጻውዒት ከም ዝረኸቡን ድማ ይገልጹ። ካብ ድቃስ ኣተሲአዮ፡ መናድቕ ክፈርስን ከንቀጥቅጥን እሰምዕ ኔረ። ዘድሊ ሰነዳት መድሃኒትን ፓስፖርትን ጥራይ ሒዝና ክንወጽእ ተቐላጢፍና” ክትብል ኸዲጃ ትዝክር።
ምምሕዳር እታ ከተማ ነቶም ናይ ኢንሹራንስ ኣገልግሎት ዘይተመዝገቡ ሰባት ግዜያዊ መንበሪ ከም ዝሃበን እንተኾነ ግና እዞም ማሕበራዊ ኣገልግሎት መተካእታ ናይ መድሕን ኣባይቲ ክኸውን ከምዘይክእል ሓቢሩ።
ሰባት ግዳያት ሓደጋ ባርዕ ኮይኖም ክትርኢ እንከለኻ ኣገዳስነት መድሕን ኣባይቲ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ይርደኣካ ትብል ማጅዳ። እዚ ጉዳይ ናትናን ናይ ኣካረይትናን ጉድለት ምዃኑ ውን ትዛረብ። ምኽንያቱ ንሳቶም፡ ኣገልግሎት መድሕን ኣባይቲ ከምዘይንረክብ ኣይሓበሩናን ትብል።