10% ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ዓለም፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ቅሉዓት ምዃኖም ዝሕብር እዩ ክብል ወሲኹ።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፡ ይውስኽ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መጠን ምልከፍትን ሞትን ድማ ኣብ ኤውሮፓን ምብራቕ ማእከላይ ባሕሪን ምውሳኹ ይፍለጥ ክብል ላዕለዋይ ክኢላ ህጹጽ ረድኤት’ቲ ውድብ፡ ማይክ ራያን ገሊጹ።
ኣስታት 10% ካብ ህዝቢ ዓለምና ብኮሮና ተለኺፎም ከምዘለዉን እቲ መጠን መልከፍቲ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ከተማታት ናብ ገጠራት፡ ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ዓለም ድማ ንሓደጋ መልከፍቲ ቫይረስ ዝተቓልዑ እዮም። እዚ ዘለናዩ እዋን፡ ብጣዕሚ ከቢድን ኣሰካፍን እዩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ድማ ይቕጽል ኣሎ ክብል ራያን፡ ወሲኹ ገሊጹ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ምንጪ ቫይረስ ኮሮና ንምፍላጥ ኣብ ዝካየድ ምርምር ንምስታፍ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይ ክኢላታት፡ ናብ ሰብ መዚ ቻይና ሰዲዱ ከምዘሎ ሓቢሩ።