ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ስቶክሆሎም፡ ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ 10 ኣድራሻታት ዝቕመጡ፡ ብስራሓት ገበን ስእለ ጽዩፍ (pornography ) ዝጥርጠሩ ሰባት፡ ሃድን ከምዘካየደ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ፈተሻ ሃድን፡ ኮምፕዩተራት፡ ሞባይላትን ካልእ ናይ ሓበሬታ መዐቀቢ መሳርሒታትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወን ምስቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ውልቀ ሰባት ድማ፡ መባእታዊ መርመራታት ከምዘካየደ፡ ፖሊስ፡ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተኻየደ ሃድን፡ ብሓገዝ ናይ ኣህጉራዊ ፖሊስ ከምዝተኻየደ፡ ጸብጻባት ፖሊስ ስቶክሆልም ይሕብሩ።
መጠን ገበናት ስእለ ጽዩፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ እናዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ነዚ ተርእዮታት ብጻዕቂ ንምቅላስ ዝዓለመ መደብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝተኻየደ ሃድን፡ ብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ፖሊስ ከምዝተሳተፋ ኣብ ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ሓላፊ ምክልኻል ገበናት ስእለ ጽዩፍ ዝኾነ ፒተር ኤሪክሶን ገሊጹ።