ንታሪኽን ባህልን ማሕበረሰብ ጽሙማን ፊንላንድ ተባሂሉ ዝተሃንጸ ሓድሽ ቤተ መዘክር ንዕለት 22 ጥቅምቲ 2024 ኣብ
ሄልሲንኪ ክኽፈት ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሃጋ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ቫልከያ ታሎ ዝርከብ እዚ ቤተመዘክር ጽሙማን መእተዊኡ
ብናጻ ኮይኑ፥ ንበጻሕቲ መሳጢ ምርኢት ንምቕራብ ተዳልዩ’ሎ።
እቲ ሓድሽ ምርኢት እቲ ቤተ መዘክር፡ ኣብ ታሪኽ ቋንቋ ምልክት ማሕበረሰብ ጽሙማን ፊንላንድ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ዘመናዊ
ቴክኖሎጂ ቤተ መዘክር ብምጥቃም፡ መስተጋብራዊ ምርኢታትን ማልቲሚድያን ከጠቓልል እዩ። ዋና ምርኢት እቲ ቤመዘክር
ፊልም ብካርል ኦስካር ማልም እዩ። ማልም ኣብ መፋርቕ 1800ታት ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን
ዝመስረተ ኣብ ማሕበረሰብ ጽሙማን ፊንላንድ ተዘካሪ ሰብ እዩ። እታ ፊልም ምስ ትካል ምፍራይ ቋንቋ ምልክት ኡርሳ ማይኖር
ብምትሕብባር ዝተሰርሐት ኮይና፡ ብዙሓት ካብቲ ምርኢት ዝቐርቡ ስእልታት ብሰብ ሞያ ምልክት ቋንቋ ዝተፈጥሩ እዮም። ኣብዚ
ንህዝባዊ ቦታታት ናይቲ ቤተ መዘክር ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዘበርከተት ሰኣሊት ኦልጋ ግሪን ተጠቃሲት እያ።
ሓደ ካብቲ ማእከላይ ቴማ ናይቲ ምርኢት፡ ሃብታም ባህላዊ ታሪኽ ማሕበረሰብ ጽሙማን እዩ። በጻሕቲ ካብ መጀመርታ መበል
20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስርሓት ዘመናዊ ስነ-ጥበባዊ ጽሙማን ክርእዩ ክኽእሉ እዮም። ካብ መዘምንራን ክሳብ ራፕ ቋንቋ
ምልክት ሳይንማርክ ብምቕራብ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝጸንሐ ናይ ጽሙማን ስነ-ጥበብን ምርኢትን ክድህስስ እዩ። እቲ ቤተ
መዘክር፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ስድራቤታዊ ህይወትን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ሕብረተሰብ ጽሙማን ብዕምቆት ብምእታው፡
ብዛዕባ ህይወቶም ሰፊሕ ስእሊ ክህብ ትጽቢት ተጌሩሉ’ሎ።