ንዩክሬናውያን ከም ክዳውንቲ ዝበሉ ሓገዝ ብምልኣኽ ክልግሱ ዝደልዩ ሽወደናውያን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብዘይ ክፍሊት ክስዱ ከም
ዝኽእሉ ተገሊጹ።
ናብ ዩክሬይን ዝኸይድ ዘሎ ልገሳ ዘወሃህድ ዘሎ ፖስትኖርድ ዕሽጒ ኣቕሑን ካልእን ናብ ፖላንድ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።
"ንዩክሬናውያን ዝኸውን ሕገዝ ክንቅርብ ካብ ኣገልግሎት ፖስታ ዩክሬይን ብመሰረት ዝተቐቢልና ሕቶ ኢና ነዚ ኣገልግሎት ንህብ
ዘሎና” ክትብል ኣብ ኣገልግሎት ሎጂስቲክ ፖስትኖርድ ሽወደን ዋና ኣካያዲት ፖስታ ኣግነስ ካርልሰን ገሊጻ’ላ።