ፕረዚደንት ዩክሬይን ነበር፡ ፔትሮ ፖርሸንኮ፡ ብኽሕደት ሃገር ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ናብ ናይ ቀድም ገዝኡ ናብ ዩክሬይን ሎሚ ሰኑይ ክምለስ ትጽቢት ተገይሩ’ሎ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ዝነጸጎ ኮይኑ፡ ነቲ ድሕሪኡ ስልጣን ዝሓዘ መራሒ ‘ኮነ ኢሉ ሽመይ ከጸልመኒ ይሰርሕ ኣሎ’ ክብል እዩ ዝወቅስ።
“ኣነ ናብ ዩክሬይን ከይደ ስለ ዩክሬይን ክቃለስ እየ” ክብል ፖርሼንኮ ኣብ ዋርሶው ፖላንድ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ናይ ዩክሬይን ዓቀብቲ ሕጊ፡ ነቲ ካብ ዩክሬይን ዝርከቡ ካብቶም ዝሃፍተመ በዓል ዋኒን ንዝኾነ ፖርሼንኮ፡ ኣብ ሞንጎ ዓመታት 2014ን 2015ን ብመንግስቲ ሩስያ ንዝድገፉ ተገንጸልቲ ሓይልታት ገዚፍ መጠን ዘለዎ ፋሓም ብምሻጥ ንንጥፈታቶም ብገንዘብ ሓጊዙ እዩ ብምባል ከምዝኸሰሱዎ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ኣብ ኪይቭ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ መርመራ፡ ንንብረት ናይ ፖርሼንኮ ክድስክል ከምዝገበሮ ተፈሊጡ’ሎ።
ፖርሼንኮ ብወገኑ ነቲ ክሲ ካብ ምንጻግ ሓሊፉ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝተመስረቱ ክሲታት መበገሲኦም ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ከምዘለዎ እዮ ዝወቅስ። ነቲ ድሕሪኡ ዝመጸ መራሒ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪይ ኣብታ ሃገር ንዝርአይ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ቁጠባዊ ቅልውላውን ብሰንኪ መልከፍቲ ናይ ኮቪድ ዝተፈጥረ በብእዋኑ እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ሞት ናይ ሕሙማትን ዝፈጠሮ ድርብ ሽግራት ንኸምልጥ ክብል ኣጀንዳ መቐየሪ ዝጥቀመሉ ዘሎ ክሲታት ከምዝኾኑ እዩ ክቃወም ዝስማዕ።
ናይቶም ክሲታት ክብደት ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ፖርሼንኮ ግና ብዙሕ ጸገም ከምዘይተፈጥረ እዩ ነቲ ጉዳይ ኣቕሊሉ ዝርእዮ ዘሎ። ናብ ዩክሬይን ምስተመለሰ ማእሰርቲ ይጽበዮ እንድሕር ኮይኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ ከምዚ ክብል ይምልስ፥
“ፈጺሙ ኪምኡ ዝብል ትጽቢት የብለይን”
እዞም ኣንጻሩ ቀሪቦም ዘለው ክስታት ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምስ ተሳዕረ ኣትሒዙ ዝላዓሉ ዘለው ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ሩስያ ኣብ ዶባት ናይ ዩክሬይን ወታሃደራታ ኣጸጊዓ ኣብዘላትሉን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገና፡ ናይ ሩስያ መራሒ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ናይ ምውራር ሓሳብ ከምዘለዎ ጥርጣረታቶም ኣብዘስምዑሉ ዘለው ግዜ ዝቕጽሉ ዘለው ክስታት ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።